ኣሃዝ ኣብ ምምዕባል ዌብሳይትን ሶፍትዌርን ዝነጥፍ ትካል ኮይኑ ንዕብየት ትካልኹም ዝሕግዙ ዲጂታላዊ መፍትሒታት ንምፍጣር ዓሊሙ ይንቀሳቀስ። ትካልና ፈጠራን ቴክኒካዊ ብቕዓትን ብምውህሃድ ፍሉይ ድሌታትኩም ዘማልኡ ብዝተመጣጠነ ዋጋ፣ ደስ ዘብልን ፅሬቱ ዝሓለወ ዌብሳይታትን ሶፍትዌርን ይሃንፅ። ኣብ ኢንተርኔት ስራሕትኹም ክተዕብዩን ክተፋልጡን ወይ ስርሓትኹም ከተመሓይሹ ትደልዩ እንተኾይንኹም ትካልና ንግድኹም ንክዓቢ ዝሕግዙ ልዑል ፅሬት ዘለዎም ሶፍትዌራትን ዌብሳይታትን የቕርብ።
ተልእኾና ፈጠራ ዘካተቱ፣ ዘተኣማምኑን ተመጣጣኒ ዋጋ ዘለዎምን ኣገልግሎት ሶፍትዌርን መርበብ ሓበሬታን ብምቅራብ ንትካላትን ውልቀሰባትን ምሕጋዝ እዩ። ዲጂታላዊ ተሞኩሮታት ዘዕብዩ፣ ዝተራቐቑን ንዓማዊልና ኣብ ዕዳጋ ተወዳዳራይን ሰዓራይን ኮይንኻ ንምውፃእ ዝሕግዙን ምዕቡላት መፍትሒታት ንምቕራብ ንፅዕር። ዘየቋርፅ ድጋፍና፣ ስራሕትና ኣብ እዋኑ ብምቅራብ፣ ከምኡ’ውን ተወፋይነትና፣ ኣብ ዲጂታላዊ ጉዕዞኹም እሙናት መሻርኽቲ ይገብረና።
ራእይና መሪሕ ኣቕራቢ ብሉፃትን ደረጅኦም ልሓለዩ ዌብሳይትን ሶፍትዌርን ምኻን፣ ኣብ ዲጂታላዊ ዓለም ንፅሬትን ፈጠራን ሓደ ደረጃ ሓፍ ምባል እዩ። ዓማዊልና ተወዳደርትን ኣብ ቅድሚት ከምዝስርዑን ምርግጋፅ ዋና ሓላፍነትና እዩ፣ ሓይሊ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ንግዳዊ ንጥፈታት ንምቕያር ዕላማ ኣለና።
ኣብ ምምዕባል ሶፍትዌር ፍሉይ ሞያ ኣለና። ንንግዳዊ ድሌታትኩም ዝተመጣጠነን ልዑል ፅሬት ዘለዎም መፍትሒታት ነቕርብ። ትካልና ንዝበለፀ ኣፈፃፅማ ስሉጥ፣ ፈጠራዊን ንተጠቃሚ ምቹውን ሶፍትዌር የቕርብ።.
ንዓይኒ ዝማርኹ፣ ብተግባር ዝሰርሑ፣ ዘመናዊ፣ ብሉፃት መርበባት ሓበሬታ ኣብ ምምሃዝን ምምዕባልን ፍሉይ ሞያ ኣለና። ኣገልግሎታትና ብተመጣጣኒ ዋጋ ክትረኽቡ ካብ ምኽኣል ሓሊፉ፣ ንንግድኩም ዝበለፀ ጥቕሚ ከም እትረኽቡ እናረጋገፅና በቲ ዘየቋርፅ ደገፍናን ኣብ እዋኑ ንምቕራብ ዘለና ተወፋይነትን፣ ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ተወዳዳሪ ዕዳጋ ናይ ኦንላይን ህላወኹም ምርግጋፅና ፍሉይ ይገብረና።
ስማርት መለለዪ ካርድታትና ዝለዓለ ፅሬት ዘለዎም ኮይኖም፣ ብሉፅ ዲዛይንን ቅልጡፍ ሕትመትን ዘለዎም እዮም። ነፍሲ ወከፍ መለለዪ ካርድ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎን ንዓይኒ ዝስሕብን ብምዃኑ ፣ ንፍሉይ ድሌታትኩም ብትኽክልን ዘማልእ እዩ።
ምስ ኣገልግሎት QR ኮድ ዝተዋሃሃደ ናይ ቤት ምግቢ ምግቢ ዝርዝርና ድሩትነት ባህላዊ ምግቢ ዝርዝር ንምቅያር ዝተዳለወ እዩ። ንተጠቃሚ ምቹው፣ ተሞክሮ ዝህብ፣ ንምቕያር ቀሊልን ወፃኢታት ንምቑጣብ ዝሕግዝን እዩ። ዓማዊል ነቲ QR ኮድ ስካን ብምግባር ዝርዝር ምግቢ ክምልከቱ ይኽእሉ። እዚ ድማ ስሉጥን ካብ ንክክእ ነፃ ተሞኩሮ መመገቢ የረጋግፁ።
ንሕና ውሑስ፣ እሙንን ብተመጣጣኒ ዋጋን ኣገልግሎት መርበብ ሓበሬታ ሆስቲንግ ንህብ። ህላወኹም ኣብ ኢንተርኔት ኩሉ ግዜ ዘተኣማምንን ተበፃሒን ምዃኑ ንምርግጋፅ ናይ ሆስቲንግ መፍትሒታትና ብዝለዓለ ደረጃ ኣፈፃፅማን ደገፍን ድሌታትኩም ንምምላእ ዝተዳለዉ እዮም።
ንኹሉ ናይ ቢዝነስ ድሌታትኩም ንምምላእ ሰፊሕ ዝርዝር ናይ ቤት ጽሕፈት መሳርሒታት ንህብ። ምርጫና ዴስክቶፕ፣ ኣገልግሎት ምትካል መርበብ፣ ናይ ጸጥታ ካሜራታት፣ መሕተሚታት፣ ፋክስ ማሽናት፣ ስካነራትን ፕሮጀክተራትን የጠቓልል። ነፍሲ ወከፍ ኣቕሓ ብጽሬቱን ተኣማንነቱን ዝተመርጸ ኮይኑ፡ ቤት ጽሕፈትኩም ብብቕዓትን ብውጽኢታውን መንገዲ ከም ዝሰርሕ የረጋግጽ።
ናይ ዌብ ሆስቲንግ ኣቕራቢ ክትመርፅ ከለኻ፣
ደረጅኡ ልሓለወ መርበብ ሓበሬታ ናይ ኦንላይን ህላወ ብምቕራብ ንስራሓ ትኹም ከዕቢ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ዓማዊል ይስሕብ፣ ተሞኩሮ ተጠቃሚ የመሓይሽ፣ ከምኡ’ውን ስራሕትኹም ንምስላጥ ልጠቕሙ ኣገደስቲ ቴክኖሎጂታት የካትት።
ኣብ እዋን ንድፍን ምሕታምን ስማርት መለለዪ ካርድታት ኣብ ግምት ክኣትዉ ልግበኦም ነገራት ናይ ድሕንነት ጉዳይ፣ ናይ ካርዲ ጥንካረ፣ ሜላታት ዳታ ኢንኮዲንግ፣ ዲዛይንን ከምኡ እውን ቅልጣፈን ካልኦትን ዘካተተ እዩ።
ክልቲኡ ምርጫ የኽድ እዩ። ኣብ መንጎ ናይ ውልቀ ሰርቨርን ሓበራዊ ሆስቲንግን ንዝግበር ምርጫ ዝሕግዙ ንጥብታት ንርአ
ምኽንያት | ናይ ውልቀ | ናይ ሓባር |
---|---|---|
ዋጋ | ናይ ወልቀ ስለ ዝኾነ ዝለዓለ ወፃኢታት ኣለዎ | ኣብ መንጎ ብዙሓት ተጠቀምቲ ስለዝካፈል ትሑት ወፃኢታት ኣለውዎ |
ብቕዓት | ልዑል ብቕዓት ኣለዎ | ልዑል ብቕዓት ዘለዎ እኳ እንተኮነ ብኻልኦት ተጠቀምቲ ኣብቲ ሰርቨር ክፅሎ ይኽእል። |
ድሕንነት | ልዑል ድሕንነት ኣለዎ | ልዑል ድሕንነት ኣለዎ |
እንጥቀሞም ቴክኖሎጂታት ከከም ዓይነት ፕሮጀክቱ ዝፈላለ እኳ እንተኾነ መብዛሕቲኡ ጊዜ ዘመኑ ዝጠልቦን ውሕስን ዝኮኑ ቲክኖሎጂታት ንጥቀም።